ዝርገሐ መስመር ማይ ሚዘር 70 ካሬ
ዝርገሐ መስመር ማይ ሚዘር 70 ካሬ ንምጅማር ዘኽእል ናይ 450 ሚልዮን ብር ቱቦታት ዓዲጉ ከም ዘዳለወ ኢንተርፕራይዝ ስራሕቲ ህንፀት ማይ ትግራይ ኣፍሊጡ።
ኣብ ከተማ መቐለ መንደር ሚዘር ብልዕሊ 1ነጥቢ 1 ቢልዮን ብር ዝርገሐ መስመር ማይ ንምስላጥ ዘኽእል ፊርማ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሞንጎ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ማይን ፈሳስን ቤት መዘጋጃ ከተማ መቐለን ከም ዝተኸተመ ዝፍለጥ እዩ። ኣብ ዉሽጢ ሓደ ዓመት ክዛዘም መደብ ተታሒዙሉ ዝነበረ እዚ ፕሮጀኽት ብሰንኺ ዘጋጠሙ ፖለቲኻዊ ፀገማት፣ ሕፅረት በጀትን ምድንጓይ ዕድጊትን ብዝተትሓዘሉ እዋን ክፍፀም ኣይተኽኣለን።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ግና እቲ ዝርገሐ ከጀምር ዘኽእል ናይ 450 ሚልዮን ብር ዕድጊት ተፈፂሙ ሙሉእ ብሙሉእ ኣታዊ ከምዝኾነ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኢንተርፕራይዝ ስራሕቲ ህንፀት ማይ ትግራይ ዶ/ር ሙላታ ይርጋ ገሊፆም። ኣብ ልዕሊ 248 ኪሎ ሜትሮ ዝርገሐ ንምስላጥ መደብ ዝተትሓዘ እንትኸዉን ዛጊድ 244 ኪሎሜትር ዝርገሐ ክሽፍን ዘኽእል ካብ ዝነኣሰ በዓል 32 ክሳብ 315 hdp ቱቦታት 100% ኣታዊ ከምዝተገበረ ተዛሪቦም። ዝተረፈ ድማ ዕደጋ ተፈፂሙ ኣብ ከይዲ ጉዕዞ ከም ዝርከብ ወሲኾም ገሊፆም።
ሓበሬታን ርክብን ከተማ መቐለ
30 ሰነ 2017 ዓ/ም